ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዶርትሙንድ ነፍስወከፍ ኣድላይነት ዝምልከት ሕሱር ገዛ/ኣፓርታማ ንክርከብ ክብድ ዝበለ ኮይኑ። ኣብቲ ቤት-ጽሕፈት ምንባር ገዛ ትደልዩ ከምዘለኹም ክትሕብሩ ትኽእሉ ከምኡ'ውን ምናልባት ብቑዕ ዝኾነ ቀረብ ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ዋላ ባዕልኹም ውን ምድላይ ክትጅምሩ ትኽእሉ ኢኹም። ብሓደ "ሰርቲፊከት/መረጋገጺ ፍቓድ ምንባር" ሕሱራት ናይ ክራይ ኣፓርታማታት ክትረኽቡ ትኽእሉ። እዚ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ምንባር ክትጠልብዎ ትኽእሉ። ብዝተፈላለዩ ኩነታት እንተላይ መንበሪ ገንዘብ (Wohngeld) ክትወሃቡ መሰል ኣለኩም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከተማ lokal willkommen (ኣብዚ ቦታ እንቋዕ ብድሓን መጻኹም) ዝብሃል ጨንፈር ሓበሬታ ኣሎ፣ ናይ ዝኾነ ኩነት ምንባር ይሕግዘኩም እዩ። እቲ ጨንፈር ሓበሬታ ዋላ ነቲ ሓድሽ ከባቢ ንክትፈልጡ ይሕግዘኩም ከምኡ'ውን ርክባት የመሓላለፍ።
ሓገዝቲ ምኽርታት ብዛዕባ ምድላይ ገዛ ኣብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ውን ይወሃብ እዩ ብመሓበሪ ናይ „Planerladen e.V.“
ኣብ ከተማኹም ክትምዝገቡ ኣይትረስዑ። ብዘይ ምዝገባ ማሕበራውያን ገንዘባት ኣይክትወሃቡን ኢኹም። ዋላ ኣብ ውሽጢ እቲ ከተማ እንተትቕይሩ ኮይንኩም ክትምዝገቡ ኣለኩም። Bürgerdienste International (ኣህጉራውያን ኣገልግሎታት ዜጋታት) ንዓኹም ተሓተትቲ እዮም።