ገና ኣብ ጉዳይ ዑቕባ እንተኾይንኩም፣ ገንዘባት ብሕጊ "Asylbewerberleistungsgesetz" (ሕጊ ገንዘባዊ ደገፍ ሓተትቲ ዑቕባ) ክትወሃቡ ኢኹም። ዋላ ግዝያዊ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት እዚኦም ገንዘባት ይወሃቡ እዮም። ቤትጽሕፈት ሶሽያል ናይዚ ተሓታትነት ኣለዎ። ነዞም ገንዘባት ምእንቲ ክትቕበሉ፣ ሕሳብ ኣብ ሓደ ናይ ጀርመን ባንክ የድልየኩም።
ፍቓድ ጽንሓት እንተለኩም፣ "Arbeitslosengeld II" ክትወሃቡ ኢኹም። እዚ ገንዘብ/ሓገዝ ኣብ ጆብሰንተር (ቤትጽሕፈት ስራሕ) ክትጠልቡ ኣለኩም። እቲ ጆብሰንተር እንተላይ ስጉምትታት ንምምሃር ጀርመንኛ ከምኡ'ውን ንመእተዊ ሞያ/ስራሕ የቕርበልኩም።
ንቀጸልቲ ሕቶታት ዋላ ንጨንፈር ኣገልግሎት ምኽሪ ስደተኛታት ክትውከሱ ትኽእሉ።