መእተዊ ኣብ ሞያ

Zwei Frauen in einer Bäckerei

ንመእተዊ ሞያ ብቀዳምነት ፍቓድ ስራሕ የድልየኩም። ክትሰርሑ እንተዝፍቐደልኩም ካብ ሕጋዊ ጽንሓትኩም እዩ ዝምርኮስ። ሽዑ ንቤትጽሕፈት ወጻእተኛታት ርኸቡ ብኽብረትኩም
ሓገዝ ኣብ ምድላይ ስራሕ ብጆብሰንተር ኢኹም ክትወሃቡ። ኣብኡ ዋላ ብዛዕባ ስጉምትታት ንምድላው ሞያን ብቕዓትን ክትሕበሩ ኢኹም

ዋላ ኣብቲ ብዙሕ ባህልታት ዘለውዎ ፎሩም ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ንምእታው ሞያ/ስራሕ ኣለው። ብዝተረፈ ምስ ካልኦት ኣቕረብትን ጨናፍር ሓበሬታን ጽቡቕ ተኣሳሲርና፣ ናብቲ ንዓኹም ብቑዓት ዝኾኑ ስጉምትታት ከነመሓላልፈኩም መታን ክንክእል።